ኣብ ትሮንዳይም፡ “ስካይ ምዩዚክ ፈስቲቫል” እተባህለ፡ ብ ኦንላይን ዝካየድ ናይ ሓሶት ጽንብል ከም እተኸፍተ፡ ፖሊስ ገሊጾም።
እዚ ፈስቲቫል፡ ካብ ነሓሰ 12-14 ኣብ ኣርክቢሾፕስ ኮርት ክካየድ ተመዲቡ ምንባሩ፡ ፖሊስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጾም
ኣለዉ። ኣብዚ ጽንብል ንምስታፍ ቲኬት ዝገዝኡ ኲላቶም፡ ብ መርበብ ሓበሬታ ፖሊስ ወያብ ጥቓኦም ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ
ኣቤት ክብሉ ፖሊስ ተላብዮም ኣለዉ።
“ነዚ ናይ ሓሶት ፈስቲቫል ተባሂሉ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ቲኬታት ከም እተሸጡ ንፈልጥ ኢና። ኲሎም ቲኬት ዝገዝኡ ዘበሉ ናብ ፖሊስ
ከመልክቱ ንጽውዕ ኣሎና” ክብል ጠበቓ ፖሊስ ክርስትያንስፔትስ ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ገሊጹ’ሎ።
“እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ፈለማ ክትርእዮ ብሓቂ ሞያዊ እዩ ዝመስል፡ ደጊምካ ምስ እትምርምሮ ግና ሓቀኛ ዘይምዃኑ ምግንዛብ
ይከኣል እዩ” ክብል ስፔትስ ወሲኹ ገሊጹ።
ነዚ ናይ ሓሶት ፈስቲቫል ዘወሃህደ ተባሂሉ ሓደ ሰብ ብጣርጣረ ተረቚሑ እኳ እንተሎ፡ ዛጊት ኣብ ትሒ ቀይዲ ከም ዘይኣተወ ፖሊስ
ወሲኾም ኣመልኪቶም።