ኣብዚ ዓመት፡ ካብ ስድራ-ቤቶምን ኣዕሩኾምን ኲላሊት ዝረኸቡ ተሓከምቲ 18 ጥራይ ምዃኖም፡ እዚ ድማ ምስ ናይ ዓሚ ኣሃዝ (ማለት 41) እንክወዳደር፡ ዝተሓተ ምዃኑ ተገሊጹ። ክኢላታት ምኽንያት ናይዚ ምንቊልቋል ኣብ ምምርማር ኣለዉ–ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ።
ኣብዚ ዓመት 174 ሰባት ኲላሊት ንምልጋስ ክምዝግቡ እንከለዉ ካብዚኣቶም እቶም 55 ጥራይ ክልግሱ ተኽእሎ ከም ዝነበሮም፡ እዚ ማለት ን 197 ተሓከምቲ 213 ኲላሊት ከም ዝባጻሕ እታ መርበብ ሓበሬታ ወሲኻ ገሊጻ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣሃዝ 225 ን 207 ተሓከምቲ ምንባሩ ፋውንዴሽን ልገሳ ኣካሊታት ኣፍሊጡ። ብሓፈሻ ቊጽሪ ናይቶም ብህይወት ዘለዉን ሓንቲ ኲሊቶም ዝውፍዩን ሰባት ኣዝዩ ኣንቈልቊሉ ምህላዉ ኣብ ክፍሊ ምስግጋር መድሃኒት –ኦስሎ–ክኢላ ኲላሊት ክርስትያን ሄልዳል–ገሊጻ’ላ።