ኣብ ቀጻሊ ደሞዝ ሰራሕተኛኣት ካብ ዋጋታት ብዝለዓለ ክውስኽ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ኖርገስ ባንክ ገሊጹ።
“ኣብ ቀጻሊ ሽቕለት ክውስኽ፡ ኣብ ቊጠባ ልዑል ንጥፈት ክህሉ ከምኡ’ውን ደሞዝ ካብ ዋጋታት ኣቕሑ ብዝያዳ ክውስኽ እዩ ዝብል ትንበያ ኣሎና” ክትብል ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ኢዳ ዎልደን ባሺ ን መደበር ዜና ኖርወይ (NRK) ሓቢራ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋታት ኣቕሑ ብ 6.3% ምውሳኾም ካብ ስታቲሲክስ ኖርወይ እተረኽቡ ኣሃዛት የመልክቱ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ መጠን ዝቕባበ ካብ ወርሓ ግንቦት ንደሓር ብ 0.6% ምውሳኹ እቶም ኣሃዛት ወሲኾም የመልክቱ። \
ኣብ ወርሓ ሰነ ኣብ ነዳዲን ዝነበረ ወሰኽ ዋጋ ዋጋታት መግቢ ንክውስኹ ምኽንያት ምንባሩ ኣብ ስታቲስቲክስ ኖርወይ ኣካይዲት ሰክሽን ኤፕሰን ክርስትያሰን ትገልጽ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዋጋ መግቢ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 5.6% ወሲኹ እዩ። መግቢን ጥረታትን ካብ ኣዋርሕ ግንቦት ክሳብ ሰነ ብ 9.4% ከምኡውን 5.2% ወሲኾም ኣለዉ ክትብል መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ነቶም ኣሃዛት ብምውካስ ጸብጺባ’ላ።