ካብ ሰኑይ ዕለት 1/06/2020 ጀሚራ ሃገረ ኖርወይ፡ ነቶም ብምኽንያት ስራሕ ካብ ሽወደን ትርከበን ዝተፈላላያ ሃገራት ሰሜን ኤውሮፓ ናብ ኖርወይ ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት ኣፍደገኣ ከተርሑው ወሲና ምህላዋ ገሊጻ። እዞም ናብ ኖርወይ ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት እቲ ዝበሃል ናይ 10 መዓልታት ውሸባ ከምዘይምልከቶም እቲ ውሳነ ሓቢሩ።
እዚ ውሳኔ ንማሕበረሰብ ሰራሕተኛታት ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ ካብ ካልኦት ሃገራት ንዝመጹ ሰራሕተኛታት ናብ ኖርወይ ብቐሊል ንኽኣትዉ ዝሕግዝ እዩ ክትብል ሚኒስተር ንግዲ ኖርወይ፡ ኢዚሊን ኒቦ፡ ገሊጻ።
ሰራሒ ዓቕምና ዶባት እናሰገረ ዝንቀሳቐስ እዩ። ብፍላይ እቶም ኣብ ናይ ኣገልግሎት ስራሓትን ኣብ ምህናጽ መራክብን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም ክትብል እታ ሚኒስተር ወሲኻ ገሊጻ።
ንጉዳይ እቶም ንኽዛወሩ ኢሎም ካብ ሃገራት ሰሜን ኤውሮፓ ናብ ኖርወይ ዝመጹ ሰባት ብዝምልከት ንዝቐረበ ሕቶ፡ ሚኒስተር ጥዕና ቤነት ሃዊ፡ ኖርወይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባር ንኹሎም ተኽእሎታት ተጽነዖም ኣላ፡ ክትብል መሊሳ።