ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኖርወይ፡ ሓደስቲ ቀይድታት ክእውጅ ምዃኑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኢርና ሶልቤሪ፡ ገሊጻ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።
ሽሕ’ኳ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ይጎድል እንተሃለወ፡ ብዝሒ ናይቶም ናብ ሆስፒታላት ዝኣትዉ ዘለዉ ሰባት ወሲኹ ድሕሪ ምባል፡ ሶልቤሪ፡ ሰብ መዚ ኖርወይ፡ ንኣገባብ ኣተገባብራ ናይቶም ሓደስቲ ቀይድታት ብዝምልከትን ይሰርሕሉ ምህላወምን ኣብተን ዝያዳ መጠን ለበዳ ዘለወን ከባቢታት ድማ ፍሉይ ጻዕርታት ክካየድ እዩ ክትብል ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኖርወይ፡ 1000 ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ኣመዝጊባ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም እቲ ቁጽሪ 300 ምንባሩ ይዝከር። ነዚ ዝተዓዘበት፡ ሶልቤሪ፡ እቲ ንኽትግበር ተመዲቡ ዘሎ ሓደስቲ ቀይድታት፡ ዝሓሸ ውጽኢት ክርከበሉ ተስፋ ይገብር ትብል።
ሓደስቲ ቀይድታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ከነተኣታቱ ምምዳብና፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር እነካይዶ ጻዕርታት፡ ነቶም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ምስ ፈተውትናን ስድራናን እንጽምብሎም በዓላት ብሰላም ንኸነሕልፎም ክሕጉዝና እዮም ክትብል፡ ሶልቤሪ፡ መግለጺኣ ዛዚማ።