ኣብ ኖርወይ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብ 53% ብምውሳኹ፡ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ፡ ራብዓይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ከይኽሰት፡ ኖርወጃውያን ሰብ መዚ፡ ስግኣቶም ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ 2,187 ሰባት፡ ብቫይረስ ኮሮና ክልከፉ እንከለዉ፡ ኣብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ሰሙን ግን 1,428 ሰባት ተለኺፎም ምንባሮም ብኖርወጃዊ ማዕከን ዜና NTB ዝቐረቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ ቀንዲ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኩለን ምምሕዳራት’ታ ሃገር፡ ይውስኽ ብምህላዉ፡ ነቲ ቅድሚ ቤት ትምህርታት ምኽፋተን፡ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝነበሩ ዕላማታት ከሰናኽሎን ቅድሚ ናይ ክታበት ፕሮግራም ምውድኡ ድማ ናብ ራብዓይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ብምስግጋር ኣብ መንጎ ዘይተኸትቡ ሰባት፡ መልከፍቲ ኮሮና ከስፋሕፍሕን ብጽኑዕ ከምዝሓሙ ክኾኑ እዮም ክብል ተሓጋጋዚ ዳይረክተር ጥዕና ኖርወይ፡ ኤስፐን ናክስታድ ገሊጹ።
እዚ ተኸሲቱ ዘሎ፡ ብሰንኪ ጅር ደልታ ዝሰዓበ ምውሳኽ መጠን መልከፍቲ ከምዝኾነ በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ ገሊጹ።