ኣየርላንዳዊ ደራሲ ፓዲ ኬሊ፡ ናብ ሽወደን ኣብ 1997 ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ፡ ኣብ ታቤላታት መወዓውዒ ዝጸሓፍ ጌጋታት እንግሊዝኛ ክእክብን ክስንድን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነዚ እተርኢ መጽሓፉ ንዕዳጋ ዘርጊሑ’ሎ። እዛ “We can English” ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ሽወደናውያን ንቋንቋ እንግሊዝኛ ዘለዎም ፍቕሪ በቲ ሓደ ወገን፡ ዝሰርሕዎም መስሓቄን ናይ ምትርጓም ጌጋታት ከኣ በቲ ኻልእ ምስ ብዙሕ ዝርዝራት ኣጽሕዩ’ሎ። “ኮርፖረሽናት ሽወደን ኣብ ምልከት ቋንቋ እንግሊዝ ዘለዎም ምትእምማን፡ ሓደ ሓደ እዋን ካብ ዓቐን ዝሓለፈ እዩ” ክብል ኬሊ ዋዛ ዝመልኦ ርእይቶኡ ኣቐሚጡ’ሎ።