ንናህሪ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ንምኽሓስ ተባሂሉ ብመንግስቲ ሽወደን ኣብ ዝወጸ ፓኬጅ ድጋፍ፡ ኣብ ላዕለዋይ ዝርዝር ዘለዉ ሰባት
ንነፍሲ ወከፎም ናይ 300,000 ክሮና ክፍሊት ጌሩ ክብል ኤጀንሲ ማሕበራዊ መድሕን ገሊጹ። ንሓደ ሰብ ዝተኸፍለ ዝበዝሐ
ዋጋ ኸኣ 773,669 ክሮና ምዃኑ እቲ ኤጀንሲ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ኤለትሪክ ከባቢ ሰለስተ ንዝርከብ ሰብ እዚ ሃልኪ ክሳብ
1.5 ሚልዮን ኪሎዋት ኣብ ሰዓት ዝበጽሕ ኮይኑ–እዚ ድማ ን 75 ማእከላይ ዓቐን ኣባይቲ ምስ ዝድለ መጠን ዝዳረግ እዩ።