ውዕል ኤለትሪክ ብውልቀ ነጋዳይ ኣብ ዝተታሕዘሉ ኲነታት፥ ን ስድራቤታት ተባሂሉ ዝወጸ “ካሕሳ ኤለትሪክ” ብጌጋ ንቢዝነሳት
ጥራይ ይውዕል ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ “ኤጀንሲ ክኢላታት ሸወደን” ን ስድራቤታት ተባሂሉ ዝወጸ
ካሕሳ ኤለትሪክ ብጌጋ ንቢዝነሳት ጥራይ ክውዕል ተኽእሎ ምህላዉ ን መንግስቲ ኣተሓሳሲቦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ኣብ
ምጅማር እዚ ወርሒ ዝበዝሐ ክፍሊት ካሕሳ ኤለትሪክ 770 ሽሕ ክሮና ምዃኑ፡ እተን 10 ዝዓበያ ከኣ ልዕሊ 300 ሽሕ ክሮና
ምቕባለን ሬድዮ ሽወደን ጸቢጺባ እያ። ገለ ሓረስቶት ናብ ፈደሬሽን ሓረስቶት ሽወደን ብምድዋል ናይ ካሕሳ መመልከቲ ኣእትዮም
እኳ እንተዘይነበሩ ናብ ሕሳብ ባንኮም ካሕሳ ከም ዝኣተወ ንምንጋር ምድዋሎም እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።
ሓደ ካብ ጸገማት እዚ ጒዳይ፥ ቢዝነሳት ብፍሉይ ኣገባብ ክተሓዛ ዝገብር ምዃኑ እዩ ክብል ስቴፋን ፓርላማት ኣተሓሳሲቡ። እዚ
ንስድራቤታት ዝወሃብ “ካሕሳ ኤለትሪክ” ካብ ቀረጽ ናጻ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ንኲባንያታት ዝወሃ ብዘሎ ግና ከም ኣታዊ
ይምዝገብ ብምህላዉ ተቐራጻይ እዩ። እንተኾነ ግና እዞም ብውልቆም ዝነግዱ ሰባት፥ ኣብዚ ውጥን ካሕሳ ኤለትሪክ ኣብ ናይ ቀረጽ
ሕሳቦም ብኸመይ ከዳቕስዎ እዮም ዝብል ሕቶ ኣመልኪቱ፥ ዛጊት ብንጹር ዝተባህለ ነገር የለን።