ቀዋሚ ናይ ፍልሰት ፖሊሲ ንምሕንጻጽ ተባሂሉ ብመንግስቲ ደረጃ ዝቖመ ኮሚቴ “ መጻኢ ግዜ ፍልሰት “ ቲማሊ ሰሉስ ወከልቲ ሸሞንቲአን ሰልፍታት ኣባላት ፓርላማ ሽወደን ኣብ ዝተረኽብሉ ካልኣይ ኣኼባኡ ከሰላስል እዩ። እዚ ኮሚቴ ብመንግስቲ ሽወደን ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝቖመ ኮይኑ ዕላማኡ ድማ ብኹሎም ወገናት ተቐባልነት ዘለዎ ናይ መጻኢ ግዜ ፍልሰት ፖሊሲ ንምንዳፍን ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ፖሊሲ ምቛምን እዩ። እዛ ኮሚቴ ን20 ምስ ፍልሰት ፖሊሲ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ክትዝትየሎም ምዃናን ንመርገጽን ርእቶታት ናይ ኩሎም ሰልፍታት ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን እዩ። ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራት ንዝመቓራሕ ናይ ሽወደን ናይ ስደተኛታት ብጽሒት ክውስኽ ሰልፍና ይጽውዕ ክብል ኣፈኛ ሰልፊ ማእከል፡ ጆኒ ካቶ፡ ተዛሪቡ።
ሓደ ውልቀ ሰብ ምእንቲ ሕቶ ዑቕባ ኢሉ ሂወቱ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ስለዘይግባእ፡ መንግስቲ ሽወደን ነዚ ተዓዚቡ እቲ ናይ ስደተኛታት ብጽሒት ዓመታዊ ካብ 5000 ክውስኽ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ። ጠለብ ሕቶ ዑቕባ ኣቕሪቡ ዝተነጽገ ኣካል ዝነውሐ ግዜ ድሕሪ ምጽንሑ ዳግማይ ሕትኡ ከቕርብ ድኣ ኣለዎ እምበር ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ክኸውን ይብሉን ይብል ዓቃባዊ ሰልፊ። ኣብ ዶባት ሽወደን ንጠለብ ሕቶ ዑቕባ ዝቕበሉ ኑቕጣታት ክምስረቱ ከምዘለዎምን ጠለቦም ንዝንጸግ ሰባት ውን ኣብ ዶብ እንከለዉ ቀጥታዊ መልሲ ምእንቲ ክወሃቦም ክብል እቲ ሰልፊ ጸዊዑ። ነቶም ንውልቆም ብዘይ ስድራ ናብ ሽወደን ዝመጹ ትሕቲ ዕድመን ህጻናትን ይቕሬታ ክግበረሎም ጸጋማዊ ሰልፊ ጸዊዑ።
እንተኾነ ሰልፊ ኣከባቢ “ ይቕሬታ” ዝብል ቃል ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ክንጥቀመሉ የብልናን ይብል። እቲ ኣገዳሲ ዝበሃል ነገር ንኹነታት ናይዞም ጉጅለ ሰባት ምርግጋእ ድኣ እምበር ኣብ ቃላት ምትኳር ኣገዳሲ ኣይኮነን ትብል ኣፈኛ ጸጋማዊ ሰልፊ፡ ክሪስቲና ሃዊ ላርሾን። ንምርግጋእ ኩነታት ናይቶም ብዘይ ስድራ ዝመጹ ህጻናት ዝውሰድ ስጉምቲ ሰልፊ ኣከባቢ ከምዝድግፍ ኣፈኛ ጉዳያት ፍልሰት ኣብ ሰልፊ ኣከባቢ፡ ራስሞስ ሊንግ ሓቢሩ። ቀጺሉ፡ ነቶም ኣብ ሽወደን ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጡ ሰባት መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ከምዘለዎ ሓቢሩ።
እተን ሰልፍታት ንጉዳያት ፍልሰት ሰራሕተኛታትን መምዘኒታትን ኩንታት ምጥርናፍ ስድራ ቤት ኣመልኪቶም ክዝትያ እየን። ኣበዝሑ ኣብቲ ኣኼባ ክላዓሉ ትጽቢት ተገይርሎም ዘሎ ዛዕባታት ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕትን ዘተን ዘድልዮም ምዃኑ ኣባል’ታ ኮሚተ ዝኾነ ወኪል ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ሃንዝ ኢክሊንድ ይዛረብ። እተን ሰልፍታት ብዛዕባ ግዝያውን ቀዋምን መንበሪ ፍቓድ ኣመልኪተን ኣብ ናይ ፍልሰት ፖሊስአን ቀዋሚ መምርሒ ከንብራ መጽናዕቲ ከካይዳ እየን። ዓቃባዊ ሰልፍን ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፍን፡ ሽወደን ከምተን ጎረባብታ ሃገራት ሰሜን ዝቕበለኦም ብዝሒ ስደተኛታት ( ዓመታዊ ካብ 5000 ክሳብ 8000) ክትቅበል፡ ከምዝደልዩ ሓቢሮም። ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ኣመልኪቱ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ርኢቶ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ።
ንመሰል ሕቶ ዑቕባ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛን ዕላማታቱን ከተማልእ ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ዘለዎ ዝመቸአ ኩንታት ፍልሰት ንምፍጣር ፍሉያት ሕግታት ንምንዳፍ ዘኽእሉ ብቑዓት ምኽንያታት ከምዘየለዉ ኣባል ኮሚቴ ፍልሰት ኣብ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ሪካርድ ካርልሰን ኣብ ወርሒ መስከረም ምስ ማዕከን ዜና ሽወደን ዝገበሮ ቃለ መሕተት ምርኩስ ብምግባር ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ርኢትኡ ኣቕሪቡ። ናይ ሽወደን ናይ ፍልሰት ፖሊሲታት ካብተን ናይ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኽተለኦ ፖሊሲ ዝተፈልየ ክኸውን ከምዘይብሉን ሽወደን ድማ ኣብቲ ናይ ዓመተ 2015 ዝነበረ ናይ ስደተኛታት ዓዘቕቲ ደጊማ ክትምለስ ከምዘይትደልን ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ንነዊሕ ግዜ ደጋጊሙ ዘረገጾ ጭረሖ እዩ።