ንሓደ እዋን ተጠቂምካ ክትድርብዮም እትኽእል ፍርያት ፕላስቲክ ዝኾኑ ኩባያታትን ሸሓውንትን ዝምልከት እማመ ሓድሽ ክፍሊት ግብሪ ናብ መንግስቲ ምቕራቡ ተፈሊጡ። እቲ እማመ፡ ንኩባያታት ዝምልከት ናይ 5 ክሮነር፡ ንሸሓውንቲ ድማ ናይ 7 ክሮነር ክፍሊት ግብሪ ንኽእከብ ዝእዝዝ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ነዚ እማመ ንምድላው፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ንኣንድሽ ቤንግትሶን ዝበሃል መርማሪ መዚዙ ምንባሩ ይዝከር። ክፍሊት ግብሪ፡ ካብቶም ኣፍረይቲ ዝእከብ እዩ ክብል እቲ እማመ ገሊጹ።
ኣፍረይቲ፡ ንዋጋታት ናይዞም ፍርያት ክውስኹ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቶም ናይ መወዳእታ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ህዝቢ፡ ግዳያት ናይቲ ወሰኽ ክኾኑ እዮም ክብሉ ወነንቲ ቤት ምግብታት ወቐሰኦም ገሊጾም።
ገለ ወገናት ንመጠን ክፍሊት ግብሪ ናይዞም ፍርያት ብጣዕሚ ልዑል እዩ ክብሉ ኣንከለዉ፡ ንከባብያዊ ብከላ ዘጉድል ጽቡቕ ስጉምቲ ስለዝኾነ ተጠቀምቲ ከም በዓል ወረቐትን ባኮታትን ዝኣምሰሉ ኣመራጺታት ክጥቀሙ ይግባእ ዝብሉ ካልኦት ወገናት ኣይተሳእኑን።
ኩባንያታት መግቢ፡ ነዚ ሓድሽ እማመ ከምዘይቅበለኦ ክገልጻ እንከለዋ፡ ከም ኣማራጺ ናይ ምምላስ መስርሕ እንተንጥቀም ክብላ ሓሳበን ገሊጸን።
እዚ ሓድሽ እማመ፡ ንናይ ፕላስቲክ ፍርያት፡ ብመንገዲ ናይ ቀጥታ ተጠቃሚ ወይ ብኻልእ ሰብ ኣቢሎም ገንዘቦም ንኽምለሰሎም ክብሉ ከም እንደገና ናብ መስመራት ዳግመ መስርሒ ንኽምለሱ ዘውሕስ እዩ ክብል ጠበቓ ጉዳያት ግብሪ፡ ሮበርት ሉን፡ ገሊጹ።