ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቦትሺርካ፡ ኖሽቦሪ፡ ንሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዝቐተለ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ መንእሰይ፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ቅትለት ገበናት ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ፡ ምስቲ ኣብ ዕለት 02/08/2020 ዘጋጠመ መቕተልቲ ናይታ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ምትሕሓዝ ከምዘለዎን በዚ ገበን ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሕ ከምዝሓተተ ገሊጹ።
መጠን ጥርጣረ ናይዚ ገበነኛ ልዑል ምኻኑ፡ ፖሊስ፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ እዚ ገበነኛ፡ ብጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮ ከምዝነበረን፡ ድሒሩ ግን ከም እተለቀ ይፍለጥ።