ኣውሮጳዊ ኮሚሽን፡ ሕጋውነት ናይቲ ብመንገዲ ቲክ ቶክ ዝግበር ንግዳዊ ንጥፈታት ብዝምልከት፡ ካብ ቲክቶክ መልሲ ንኽወሃቦ ጠለብ ከምዘቕረበ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ጉዳይ፡ ኣቓልቦ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ክስሕብ ዝኸኣለ ድሕሪ’ቲ ብኤውሮጳዊ ማሕበር ኣህለኽቲ (BEUC) ዝተላዕለ ኣርእስቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዘለዎ ስክፍታታት ዘተንበሀ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ መስርሕ ምክትታል፡ ብሽወደናዊ በዓል መዚ ኣህለኽቲ፡ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ካልኦት ትካላት ውን ዝጠቓለለ እዩ። ሽወደናዊ በዓል መዚ ኣህለኽቲ፡ ምስ ወከልቲ ቲክቶክ ተራኺቡ ብዛዕባ ድሕነት ተገልገልቲ ኣመልኪቱ ክዘራረብ ምዃኑ ገሊጹ።
ትካል ቲክቶክ፡ ነዚ ቀሪብሉ ዘሎ ሕቶ ብዝምልከት መልሲ ንኽህበሉ፡ ናይ ሓደ ወርሒ ዕድል ተዋሂብዎ ከምዘሎ፡ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።