ሽወደናዊ ኤጀንሲ ኣህለኽቲ፡ ንድሕነት ህጻናት ሓደገኛ ዝኾኑ መጻወቲ ኣቕሑ ካብ ዕዳጋታት ከምዝሰሓበ ተፈሊጡ።
እቲ ኤጀንሲያ፡ ን15 ናይ ትሕቲ 3 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት መጻወቲ ኣቕሑ ድሕሪ ምምርማር፡ 4 መጻወቲታት፡ ንድሕነት ህጻናት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ምዃኖም ተረጋጊጹ። መካይን፡ ሳንዱቕ ናይ ሙዚቃ ዘለዎም ምስሊ እንስሳታት፡ ሓደ ካብ ገጸ ባህርያት ፊልሚታት ዲዝኒ ዝለበሰ መጻወቲን ዓንኬላዊ መጻወቲታት ዝኣመሰሉ መጻወቲ ኣቕሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
እዞም መጻወቲ ኣቕሑ፡ ብቐሊሉ ኣብ ኣፍ ህጻናት ክኣትዉ ስለኽእሉ፡ ምስርናቕን ሕጽረት ምስትንፋስን ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም።
እዞም ከምዚ ዓይነት መጻወቲ ኣቕሑ፡ መብዛሕትኡ እዋናት፡ ኣብተን ናይ ህጻናት መጻወቲ ኣቕሑ ክሸጣ ዘይተፈቕደለን ቦታታት ስለዝሽየጥ፡ ወለዲ፡ ዕድጊ ኣብ ዝፍጽምሉ እዋናት፡ ዝግባእ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ እቲ ኤጀንስያ ኣዘኻኺሩ።