ሽወደናዊ ዋኒን ቀረጽ (Skatteverket)፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ንዝሳዓበ ክሳራ ንምትካእ፡ ብኩባንያታት ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ሓገዝ መሕተቲ ምልክታ፡ ምቕባል ከምዘቋረጸ ሓቢሩ። ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝቐረቡ 23,289 ናይ ሓገዝ ሕቶታት፡ ዋጋ 186 ሚልዮን ክሮን ዝሓቱ 1100 ሕቶታት ክንጸጉ እንከለዉ፡ ዋጋ 1.3 ቢልዮን ክሮን ዝሓቱ 17,700 ሕቶታት ኣወንታዊ መልሲ ከምዝረኸቡ ተፈሊጡ ክብል ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሽወደናዊ ዋኒን ቀረጽ፡ እቲ ዝሃቦ ሓገዝ ኣብ ቅኑዕ መዓላ ከም ዝወዓለ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ናይ ምቁጽጻርን ምክትታልን ንጥፈታቱ ኣድሂቡ ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሽወደናዊ ዋኒን ቀረጽ፡ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ኩባንያታት፡ ጽዑቕ ምቁጽጻርን ምክትታልን ይገብረለን ኣብ ዘሎ እዋን፡ ድሮ 19 ኩባንያታት ገበን ምፍጻመን ተረጋጊጹ ኣሎ። መብዛሕትአን ገበነኛታት ኩባንያታት፡ ነቲ ዝተዋህበን ገንዘብ፡ ናብ ወነንቲ ናይተን ኩባንያ ከም ዝመቐለኦ ተፈሊጡ።
ዝበዝሓ ኩባንያታት፡ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ኣገባብ ክኽተላ’ኳ እንተ ተራእያ፡ ውሑዳት ኩባንያታት ግን፡ ዕድላት ተጠቂመን ዘይሕጋዊ ስራሓት ክገብራ እየን ተራእየን። ዕላማና፡ ነተን ቅኑዕ ኣገባብ ዝኽተላ ኩባንያታት ንምሕጋዝን፡ ነተን ናይ ምትላል ገበን ዝፍጽማ ኩባንያታት ድማ ሓገዝ ንኸይረኽባ ምኽልካልን እዩ ክብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ሽወደናዊ ዋኒን ቀረጽ፡ ኣዋሃሃዲ ምቁጽጻር ዝኾነ ኮኒ ስቬንሰን ገሊጹ።
ናይ ምስትኽኻል ሓገዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንግስታዊ ሓገዝ፡ ነተን ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ናይዚ ዓመት ምስ ኣብ ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር፡ መጠን መሸጠአን ብ30% ዝጎደለ ኩባንያታት ዝወሃብ ሓገዝ እዩ።
ካብቶም ኣወንታዊ መልሲ ዝረኸቡ ሕቶታት ናይ 4 ሽሕ ኣብ ጽላት ሆቴላትን ቤት መግብታትን ዝነጥፋ ኩባንያታት ኮይነን ብ550 ሚልዮን ክሮነ ዝትመን ሓገዝ ምርካበን ተሓቢሩ። ኣብ ጽላት መጓዓዝያ፡ መኽዘናትን ንግድን ዝነጥፋ ኩባንያታት ውን ዘይተኣደነ ሓገዛት ምርካበን ቤት ጽሕፈት ዋኒን ቀረጽ ገሊጹ።