193 ዝኾና ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንሓይልታት ዓቃብ ሰላም ዝኸውን ባጀት ኣብ ምጽዳቕ ክሰማማዓ ብዘይ ምኽኣለን ኣብ ኩሎም ዞባታት ዝረአዩ ዘለዉ ቅልውላዋት ንምህዳእ ክካየዱ ዝተመደቡ ስርሒታት ደስኪሎም ክጸንሑ ምዃኖም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ክሳብ 6.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ዓቃብ ሰላም ባጀት፡ ኣብ ዕለት 01 ሓምለ ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር።
ናይ ዓቃብ ሰላም ባጀት ንኽውሰኽን ለውጥታት ንኽግበረሉን ብዝብል ምኽንያት ንኽይጸድቕ ዕንቅፋት ዝኾና ዘለዋ ገለ ካብ ኣፍሪቃውያን ሃገራትን ቻይናን ከም ዝኾና ጸብጻባት AFP ይሕብሩ።
ኣባላት ውድብ ሕቡራት ዝኾና ሃገራት፡ ንሓይልታት ዓቃብ ሰላም ዝኸውን ባጀት ኣብ ዘይጸድቀሉ እዋን፡ ኣማራጺ መደባት ኣዳልየን ክጸንሓ ወሃብ ቃል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ስቴፋን ዱጃሪክ፡ ኣዘኻኺሩ።