ወዲ ተባዕታይ ካብ ዝውለድ ዓመታት ናይ ዘቑጸረት ኣብ ደቡብ ፖላንድ እትርከብ ንኡሽቶ ከተማ ዝኾነ ከንቲባ፡ ወዲ ተባዕታይ ንዝወልዱ መጻምዲ ሽልማት ከም ዝህቡ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ከተማ ወዲ ተባዕታይ ካብ ዝውለድ 10 ዓመት ከም ዝኸውንን እዚ ከም ዘተሓሳስቦን እቲ ከተንቲባ ተዛሪቡ።
ርእሰ ዜና ማዕኸናት ዜና ኮይና ዘይትፈልጥ ሚየሲች ኦድርዛንሰኪ ዝተብሃለት ከተማ፡ ደቂ ተባዕትዮ ንምውላድ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ግን መዘራረቢት ገይሩዋ ኣሎ።
100 ኣባይቲ ጥራሕ ዘለዋ እዛ ከተማ፡ ሰፊሕ ተሓራሳይ መሬት ትውንን። ህጻናት ንምዕባይ ምችእቲ ከተማ’ያ ተባሂሉ ይእመን።
ይኹን’ምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነበርቲ እቲ ከበባቢ ዘተሓሳስቦም ዘሎ፡ ዝውለዱ ህጻናት ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ምኻነን’ዩ።
መጠን ወሊድ እታ ከተማ ኣዝዩ ንኡሽቶ ዝበሃል ኮይኑ፡ ናይ መወዳእታ ዝተብሃለ ወዲ ካብ ዝውለድ ንድሓር ኣብ ዘለው ዓመታት 12 ህጻናት ተወሊዶም፤ ኩለን ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን።
ምንካይ ቑጽሪ ወዲ ተባዕታይ ትኹረት ዝረኸበ፡ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ወለንታዊ ሰራሕተኛ ሓደጋ ሓዊ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ስልጠና ክህበን ምስ ሓተትኦ’ዩ።
ብሕጂ ብሃንቀውታ ዝውለድ ወዲ ተባዕታይ ድማ፡ ፍሉይ ሽልማት ከም ዝብርከተሉን ሓደ ፈልሲ ብሽሙ ከም ዝስየምን ተገሊጹ ኣሎ።
ምንጪ:bbc tigrinya