ረቡዕ ረቡዕ ብዘይምቊራጽ ኣብ ስቶክሆልም ፊት ኤምባሲ ሩስያ ንኲናት ዝዂንን ሰልፊታት ይካየድ ኣሎ። ካብዞም ኣብ ዝሓለፈ ሳምንትታት ኣንጻር ኲናት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብዓወታ እተቓወሙ ሰባት ፖለቲከኛታት ሽወደን፡ ኣክቲቪስታትን ማሕበራት ንግድን ከምኡ’ውን ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ዩክሬናውያን እዮም። ብዘይካዚ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሩስያውያን ንኲናት እትዂንን ኮሚተ ብምቛም ኣብ ዩክሬይን ስድራቤት ከም ዘለዉዎምን በቲ ኲናት ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑን ክገልጹ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።