ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢዛቤላ ሎቬን፡ ኣብ ሚልዮፓርቲየት (ሓምላይ ሰልፊ) ዝነበራ መዝነታ ብወለንትናኣ ካብ ትገድፎ፡ እቲ ቦታ ክሳብ ሎሚ ሰብ ከምዘይተመዞ ይፍለጥ።
ከም ተካኢት ሎቬን ኮይና ዝተሓጽየት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን መዝነት ሚኒስተር ባህሊ ሽወደን ሒዛ ዘላ ኣማንዳ ሊንድ እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ነዚ መዝነት ክትቅበሎ ፍቓደኛ ከምዘይኮነት ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ። ምኽንያት ናይ ውሳኔኣ ክትገልጽ እንከላ፡ ሊንድ፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ብዝወረዳ ከቢድ ነቐፌታታት ዘይኮነ፡ ብናይ ስድራ ጉዳያት ምዃኑ ብንጹር ገሊጻ። ኣብ ገዛ ወዲ ሓደ ዓመት ቆልዓ ኣለኒ፡ ካልእ ተወሳኺ ስራሕ ክድርብ ኣይክእልን እየ ክትብል ኣብሪሃ።
ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣባል ሚልዮፓርቲየት ኮይነ ብጽፍሒ ክሰርሕ ጸኒሐ እየ፡ ሕጂ ግን፡ ነዚ መዝነት ክሕዝ ኣይክእልን እየ ድማ ትብል።
ብኻልእ ወገን፡ ከም ቀንዲ ተካኢት ንሎቬን ኮይና ተሓጽያ ዝነበረት ኣባል ፓርላማ ኤወሮፓ ዝኾነት ኣሊስ ባህ ኩህንከ ውን ነቲ መዝነት ከምዘይትቕበሎ ምሕባራ ይዝከር።