ሃገራት ኣፍሪቃ: ቀረብ ክታበት ኮቪድ 19 ንኸረጋግጻ: ዓለምለኸ ሓገዝ ከም ዘድልየን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጻውዒት ከም ዝገበረ ቢቢሲ ሓቢራ።
ኣፍሪቃ: ዛጊት 2% ናይቲ ንዓለም እተዳለወ ክትባት ጥራይ ከም ዝወሰደት: ብምሉእ ምስምማዕ እቲ ባይቶ ዝጸደቐ ሓደ ጽሑፍ የረጋግጽ። “ጽቡቕ ውሑስ ውጽኢታውን ምዕሩይ ዋጋ ዘለዎን ሕክምናን ክታበት ኮቪድ 19 ን ናብ ኲሉ ክባጻሕ ኣለዎ” ይብል እቲ ሰነድ።
ዋና ጸሓፊ UN: ኣንቶንዮ ጒተረዝ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ: ኣብ ኣህጒር ኣፍሪቃ ዘሎ ውሱን ቀረብ: ዘይእዂልን ደገፍ ኣብ ቃልሲ ጸረ ኮቪድ ዕንቅፋት ይኸውን ምህላዉ ገሊጹ።
ዛጊት ኣብ ዓለም ካብ ትዳልዩ ዘሎ 1.4 ቢልዮን ዶዝ ኣብ ኣህጒር ኣፍሪቃ 24 ሚልዮን ሰባት ጥራይ እዮም ተኸቲቦም ዘለዉ–እዚ ድማ ትሕቲ 2% እዩ” ኢሉ።