ልዕሊ 70 ዓመት ንዝዕድሜኦምን ተነቀፍቲ ንዝበሃሉ ክፋል ሕብረተ ሰብን ወጺኡ ዝነበረ ፍሉይ ናይ ኮሮና መምርሒታት ክስረዝ ምዃኑን ንሓፈሻዊ መምርሒታት ኮሮና ክኽተሉ ምዃኖምን ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሎሚ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ናይ ምንጻል መምርሒታት ዘስዓቦ ኣሉታዊ ዝኾነ ስነ ኣእምራዊ ጸቕጢ ጎሊሑ ተራእዩና ክትብል ሃሊንግሪን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።
ዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሰባት፡ ለበዳ ንምውጋድ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት፡ ንግንዘቦ ኢና ድሕሪ ምባል፡ ዝኾነ ይኹን፡ ብዘየገድስ፡ ነዞም መምርሒታት ክኽተል ይግባእ ብምባል ሃሊንግረን ገሊጻ።
ብመሰረት ዳይረክተር ጀነራል በዓልመዚ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ጆሃን ካርልሰን፡ ሆስፒታል ዝኣትዉ ሰባት ቊጽሮም ብምንካዩ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝነበረ ጸቕጢ ዘሊቑ ኣሎ።
እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና፡ ጸቕጢ ክውስኹ እዮም ንዝብል ኣተሓሳስባ፡ ካርልሰን፡ ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ ኣሎ።
ንሱ ዝሓለፈ መስከረም ምስ SVT ኣብ ዝገበሮ ዕላል፡ ኣረጋውያን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ንነብሶም ብምግላል ብዙሕ ከም ዝተሳቐዩ ኣመልኪቱ።
ሽወደን ብሰንኪ ኮሮና፡ 5929 ሰባት፡ ከም ዝተቐዝፉ ዝፍለጥ እዩ።