ናይ ርሕቀት ምስትምሃር (Distans utbildning) ምርጫ ነተን ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት ክፉት ኮይኑ ከምተገድፈ መንግስቲ ሓቢሩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ መጓዓዝያ ባቡርን ኣውቶብሳትን ከጋጥም ዝኽእል ጻዕቂ ተሳፈርትን ከስዕቦ ዝኽእል ስክፍታታት ለበዳ ኮሮና ንምውጋድ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ፡ ቅልውላው ኮሮና ምስ ኣጋጠመ፡ ቤት ትምህርታት ኣፍደጊአን ዓጽየን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ምጅማረን ይዝከር። ዝቕጽል ቀዎዒ ድማ ከምእንደገና ኣፍደጊአን ከርሕዋ መደብ ኣሎ።
ቤት ትምህርታት ኣፍደጊአን ምስ ኣርሓዋ ብዙሓት ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃሮ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሽወደን ናብ ቤት ትምህርታቶም ብመንገዲ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ክመጹ ክግደዱ እዮም። ብሰንኪ’ዚ ኣብ መስመራት መጓዓዝያ ዝፍጠር ጻዕቂ ተሳፈርቲ ንተማሃሮ ዘስገኦም እኳ እንተዘይኮኑ በንጻሩ’ኳ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ግን ግዳያት ለበዳ ንኸይኮኑ ንምክልኻል ምዃኑ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣና ኢስክትሮም፡ ገሊጻ።
እዚ ፍቓድ ኣብተን ጻዕቂ ተሳፈርቲ ዘጋጥመን ከባቢታት ድኣ እምበር ኣብ ካልእ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን። ኩባንያታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ድማ ጻዕቂ ተሳፈርቲ ንኸይፍጠር ዝከኣለን ንኽጽዕራን ብወገን ቤት ትምህርታት ድማ ንሰዓታት ምጅማር ትምህርቲ ካብቲ ኣብ መጓዓዝያታት ጻዕቂ ሰባት ዘጋጥመሉ ግዜ ክፈልየኦ ክፍትና ምዃነን እታ ሚኒስተር ገሊጻ።