ኣብ ሽወደን ንቖልዑ ዝወሃብ ዘሎ መድሃኒት “ሕማም ስነኣእምሮ” ከም ዘሻቐሎ ኮሚተ መሰል ህጻናት ው/ሕ/ሃ ገሊጹ። ኣብ
ሽወደን ኣብ ህጻናት ብዝረአ ዘሎ ስነኣእምሮኣዊ ምምዝባል፡ ብርክት ዝበሉ ቆልዑ ከምኒ “መዐገሲ ጭንቀት” ዝኣመሰሉ
መድሃኒታት ብሓካይም ከም ዝእዘዘሎም ዝፍለጥ እዩ።
እዚ መድሃኒታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ገዲፍካ ንቖልዑ ብትእዛዝ ክወሃብ የብሉን፥ ቆልዑን ወለዶምን ከኣ ብዛዕባ
ጎድናዊ ሳዕቤናት እዚ መድሃኒታት እዂል ሓበሬታ ክወሃቦም ኣለዎ ክትብል፡ እታ ኮሚተ ለበዋኣ ኣሕሊፋ’ላ።
ሽወደን ካብተን ንሕማም ኣእምሮ ብመድሃኒት ካብ ዝሕክማ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኣባል ኮሚተ ው/ሕ/ሃ ብራይ ጉድበንዞን
ይገልጽ። እዛ ኮሚተ ሃገራት ንውዕል መሰል ህጻናት ብኸመይ ኣብ ትግባረ የውዕላኦ ምህላወን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመታት
ከም እትቆጻጸርን፥ እዚ ብኸመይ ክመሓየሽ ከም ዝግብኦን ለበዋታት ከም እተሕልፍን ዝፍለጥ እዩ። ሬድዮ ሽወደን ነዚ
ኣመልኪታ ኣብ ዘካየደቶ ዳህሳስ፥ ወለዲ ንደቆም ዝተዋህበ ክንክን ኣመልኪቶም ዓመታዊ ሻቕሎኦም ከም ዝገልጹን ኣብ ብርክት
ዝበለ ግዜያት ድማ ሓካይም ጎድናዊ ሳዕቤን ኣብ ግምት ከየእተዉ ንህጻናት መድሃኒት መዐገሲ ጭንቀት ከም ዝእዝዙ
ኣጣሊላ’ላ።
“እዞም ለበዋታት ኮሚተ ው/ሕ/ሃ ኣገደስቲ ብምዃኖም ብዕቱብ ክረኣዩ ይግብኦም እዩ” ክብል ሚኒስተር ጥዕናን ማሕበራዊ
ጒዳያትን ያቆብ ፎርስመድ ካብ ሰልፊ “ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ” ኣተሓሳሲቡ’ሎ።