ካምሩናውያን ብ ሞት ተጣባቒ ሰላምን ካቶሊካዊ ካህንን፡ ክርስትያን ዊጋን ቱሚ፡ ኣብ ሓዘን ምህላዎም ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ።
ንሱ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዘልዓልዎ ናይ ምግንጻል ሕቶ ብሰላም ክፍታሕ ክጣበቕ ምጽንሑ ይፍለጥ። እዚ ካህን ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ን 24 ሰዓታት በዚ ናይ ምግንጻል ሕቶ ዘለዎ ጒጅለ ተጨውዩ ተወሲዱ ምንባሩ ይፍለጥ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮማ፡ ቱሚ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ከም ዝዓርፈ ገሊጻ’ላ። ሞት ቱሚ፡ ካብ ዝተሰምዓሉ ግዜ ኣትሒዘን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ስብከታቱ ኣብ ምዝርጋሕ ምህላወን ተፈሊጡ። ቱሚ፡ ብፍላይ ኣብታ ሃገር ዘሳፍሐ ብልሽውና ክውገድ ብዙሕ ይሰብኽ ምንባሩ ይፍለጥ። ቱሚ ብፍላይ ንፕረሲደንት ካሜሩን፡ ፓል ቢያ፡ ኣብ ምጽላው ዝነበሮ ግደ ዓብዪ ተፈታውነት ክረክብ ከም ዝገበሮ ጸብጻባት የመልክቱ።