ኣብ ትሕቲ መዓስከራት ዕጡቓት ኩርዲ ንዝጸንሑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምሩኻት ኣባላት ዳዕሽ፡ ብሓላፍነት ክርከብ ዝኽእል ወገን ብዘይ ምህላዉ፡ ዳዕሽ ንኻልኣይ ግዜ ተበራቲዑ ከይትንስእ ዝብል ስግኣት ይስማዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ሓያሎ ካብቶም እሱራት፡ ዜጋታት ማእከላይ ምብራቕ ከምዝዀኑ እኳ እንተተገልጸ፡ ናይ ሃገራት ምዕራብ ዜግነት ዘለዎም እውን ብውሑዱ 4 ሽሕ ምሩኻት ዳዕሽ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሃገራት ምዕራብ፡ እቶም ኣባላት ዳዕሽ ናብ ሃገሮም ምስ ዝምለሱ፡ ዕላማኦም ከምዘየቋርጹን ኣብ ሽበራዊ ስራሕ ከም ዝዋፈሩን ብምስጋእ፡ መብዛሕትአን ዜግነቶም ከምዝሰረዛ ይግለጽ። ቱርኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሰሜን ሶርያ ሰራዊት ብምኽታት፡ ንዕጡቓት ኩርዲ ኣብ ዝደፍኣትሉ ግዜ፡ ኣብ ሓንቲ መዓስከር ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ብግምት 800 ዝኣኽሉ ኣባላት ዳዕሽ ከምዝሃደሙ ጸብጻባት የረድኡ። ዳዕሽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ናይ ዝተቐትለ መራሒኡ መተካእታ – ካልእ ሰብ ከም ዝሾመ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣፍሊጡ ኣሎ።