ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ሞርጋን ዮሃንሰን ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ፍርሒ ሕነ ምፍዳይ ኣብ መስርሕ ምምስካር ዓቢ ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ” ስለዚ ድማ መንግስቲ ንመሰኻኽር ካብ ምፍርራህ ገበነኛታት ዝከላኸል ሕጋዊ ምምሕያሻት ክተኣታቶ እዩ ክብል ሓቢሩ’ሎ።
ብመሰረት እዚ ናይ መሰኻኽር መንነት ከምኡውን ንተሓጋገዝቲ ገበን ዝወሃብ ፍርዲ ከም ክኽወል ክግበር እዩ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ንድፊ ንመሰኻኽር ብምብጽባጽ መስርሕ ሕጊ ከተኣጓጒሉ ንዝፍትኑ ሰባት ጽንዕ ዝበለ መቕጻዕቲ ክብየን እዩ። ክሳብ መስከረም 2020 ናይዚ እማመ ጒዳይ ክረአን መልሲ ክወሃቦን ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ ሓቢሩ’ሎ።