ተመራመርቲ ድሕሪ እቲ ዝገበርዎ ክልተ ፈተነ፡ ሕማም ኢቦላን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክሓውን ክንከላኸሎን ዘኽእል ዕድል ከም ዘሎ ውጽኢት ፈተነኦም ተስፋ ከም ዝሃቦም ኣብሪሆም።
ኣርባዕተ መድሃኒታት ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከም ዝተፈተነን፡ ክልተ ካብቲ መድሃኒታት፡ ኣብቶም ሕሙማንት ጽቡቕ ምምሕያሽ ንኽረአ ከም ዝሓገዘን ተገሊጹ።
ሰብ መዚ ጥዕና ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከምዝሓበርዎ፡ እዚ መድሃኒት ንኩሎም ሕሙማት ኢቦላ ከሕዊ ከምዘይኽእል ሓቢሮም ኣለዉ።
ነዚ ፈተነ ዝመወለ፡ ሃገራዊ ትካል ኣላርጂክን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ብወገኑ፡ ኣብዚ ዝግብር ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ኢቦላ፡ ወጽኢት እቲ ፈተነ ‘ኣዝዩ ጽቡቅ ዜና’ዩ’ ክብል ገሊጽዎ።
ብምስዓብ “እዚ ብሳይንስ ተደጊፉ ንመጀመርታ እዋን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ መጠነ ሞት ኣብ ምንካይ ዓቢ ግደ ክህልዎ’ዩ” ይብል።
እዚ REGN-EB3 ከምኡ እውን mAb114 ዝብል ስያመ ዝተውሃቦም መድሃኒት፡ ኣብ ውሽጢ ኣካላት እቶም ሕሙማት ብምእታው ነቶም ቫይረሳት ኢቦላ ብምጥቓዕ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዋህዮታት ዝጸጥርዎ ጽልዋ ክንኪ ይገብር።
ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልዕሊ 1800 ሰባት ብኢቦላ ከምዝሞቱ ዝዝከር ኮይኑ፡ መድሃኒት REGN-EB3 ከምኡ እውን mAb114፡ ካብቶም ካብዚ ሕማማ ዝደሓኑ ብዝተገብረ መርመራ፡ ካብኦም ጸረ ታህዋስኣን ተወሲዱ ከምዝማዕበለ እዩ ዝጥቐስ ዘሎ።
ካብዞም ንፈተነ ዝተዳልዉ ኣርባዕተ ዓይነት መድሃኒታት፡ እቶም ክልት ትሑት ውጺኢት ስለ ዘርኣዩ ኣብ ጥቕሚ ከም ዘይውዕሉ’ውን ተሓቢሩ።
እዚ ፈተነ ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ብኣላይነት ውድብ ጥዕና ዓለም ክካየድ ከም ዝጸነሐ እዩ ዝፍለጥ።
ምንጪ: bbc tigrinya