ፓርላማ ሽወደን፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመተ 2020፡ ዝተመሓየሸ ሓድሽ ሕጊ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበረሉ። እቲ ናብ ፓርላማ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ እቶም ናይ ትራፊክ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ዘይከፍሉ ሰባት ብማእሰርቲ ንኽቕጽዑ ዘኽእል ሕጊ ንኽጸድቕ ዝሓትት እዩ።
እቲ እማመ (ዝተመሓየሸ ሕጊ) እንተድኣ ጸዲቑ፡ ካብ ዕለት 01/01/2021 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ እማመ ሎሚ ናብ ፓርላማ ከቕርቦ ምዃኑ TT ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ 76 ሽሕ ዝበጽሑ ሰባት ናይ ትራፊክ መቕጻዕቲ ዘይከፈሉ ነይሮም። እቶም 10 ሽሕ ሰባት፡ ካብ 3 ክሳብ 9 ናይ ትራፊክ መቕጻዕቲ ዘለዎም እዮም። ገለ ሰባት ድማ ናይ ትራፊክ መቕጻዕቲ ክኽፍሉ ዘይደልዩ እዩም ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ሓቢሩ።
ናይ ትራፊክ መቕጻዕቲ ዘይከፍሉ ሰባት ንኽእሰሩ ዘፍቅድ ኣብ ሕግታትና ኣሎ። እንተኾነ ግን ዝያዳ ትንታነ ዘድልዮ ዝተሓላለኸ ሕጊ እዩ። ነዚ ሕጊ ንምምሕያሽ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ዝተመሓየሸን ዝተረረን ስጉምቲ ዝብይን እማመ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ናይ ትራፊክ መቕጻዕቲ ዘይከፍሉ ሰባት ክሳብ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክውሰነሎም ከምዝኽእል ተፈሊጡ።
እዚ ዝተመሓየሸ ሕጊ ምስ ጸደቐ፡ ብዙሓት ዕዳ ናይ ትራፊክ መቕጻዕቲ ዘለዎም ሰባት ክኸፍልዎ ምዃኖም እቲ ሚኒስተር ኣንፊቱ።