መጠን ሽኮር፡ ኣብ ሽወደን ዝፈሪ ልስሉስ መስተ፡ ካብቶም ኣብ ከም በዓል ዓዲ እንግሊዝን ስፓኛን ዝኣመሰላ ሃገራት ዘፍርየኦ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሐ ምዃኑ ሽወደናዊ ማሕበር ኣህለኽትን ሳንዱቕ ምክልኻል ሕማም መንሽሮን ዘካየዶ ሓድሽ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ሓቢሩ ክብል SVT ኣቃሊሑ።
በብእዋኑ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ብዝሒ ገዘፍቲ ሰባት ንምውሓድ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ ጠንቅታት ዝኾነ፡ ልስሉስ መስተ፡ ክፍሊት ግብሪ ክውሰኽ ጻዊዒት ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ጻውዒት ኣብ ግብሪ እንተድኣ ውዒሉ ፡ ዝሓሸ ኩነት ህዝባዊ ጥዕና ንምውሓስ ኣገዳሲ ስጉምቲ ክኸውን እዩ ክትብል ኣካያዲት ስራሕ እቲ ሳንዱቕ፡ ኦልሪካ ኮግስትሮም፡ ገሊጻ።
መጠን ሽኮር ናይቲ ብፋንታ ዝፍለጥ ልስሉስ መስተ፡ ብናይ ሽኮር ኩቦ (sugar cubes) ክዕቀን እንከሎ፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ሽወደን፡ ታኒካ ናይ ፋንታ፡ ክሳብ 18 ናይ ሽኮር ኩቦ ከምዝርከብ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር ። ናይ ዓዲ እንግሊዝ፡ ታኒካ ናይ ፋንታ፡ ክሳብ 7 ናይ ሽኮር ኩቦ ጥራይ ዝሓዘት እያ።
መጠን ሽኮር ናይ ሽወደን፡ ታኒካ ናይ ፋንታ፡ 12.3 ግራም ኣብ ሓደ ደሲሊትር ክኸውን እንከሎ ኣብ ከም በዓል ዴኒማርክን ፊንላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ሰሜን ኤውሮፓ ድማ 7.2 ግራም ኣብ ሓደ ደሲሊትር ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሽኮር፡ ጠንቂ መንሽሮ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ሚዛን ሰብነት ንምውሳኽ ግን ኣገዳሲ ረቛሒ ብምዃኑ ብሕማም መንሽሮ ንኽትጥቃዕ ዝቐለለ ክኸውን ከምዝኽእል ኮግስትሮም ትገልጽ።
ብመሰረት ኮግስትሮም፡ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ንምውሳኽ ሚዛን ሰውነት፡ ብዓቢ ተገዳስነት ርእየን ኣብ ልዕሊ ልስሉስ መስተ ወሰኽ ግብርን ካልእ ስጉምታትን ይወስዳ ኣለዋ። ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ሽወደን ድማ ብግዝፊ ወይ ድማ ብልዑል ሚዛን ሰውነት ዝሳቐ ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ልስሉስ መስተ፡ ተወሳኺ ክፍሊት ግብሪ ምውሳን፡ ንሽወደን ኣወንታዊ ስጉምቲ ክኸውን እዩ ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣየርላንድን፡ ክፍሊት ግብሪ ልስሉስ ብምውሳኹ፡ መጠን ሕማም ሽኮርያ ከም ዝጎደለ ምንጭታት ይጠቕሱ።
ኩባንያ ኮካኮላ ሽወደን፡ ንመጠን ሽኮር ኣብ ሽወደን ዝፈሪ ልስሉስ መስተ ንምጉዳል ዝካኣሎም ይገበሩ ምህላዎም ጠቒሱ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት፡ ዕዳጋ ናይቶም ተወሳኺ ሽኮር ዘለዎም ፍርያትና ከንቆልቅል ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ መጠን ሽኮር ናይ ፋንታን እስፕራይትን ጥራይ እዩ ልዑል ዘሎ ክትብል ሓላፊት መራኸቢታት ኩባንያ ኮካኮላ፡ ፍሪዳ ክያኒ ገሊጻ።