ዝሓለፈ ወቕቲ ጽድያ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ጽላት ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝውዕል፡ ናይ ጽገና ሓገዝ ዝብል መጸውዒ ስም ዝሃቦ መደብ፡ ከተኣታቱ ምዃኑ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። በዚ መሰረት ድማ፡ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ እተን ብመንግስቲ ዝተዋህባ 249 ሚልዮን ክሮነር፡ ብኸመይ ናብ ኩለን ምምሕዳራት ከምዝባጻሕ ክሰርሕ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
190 ካብተን 290 ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ 192.8 ሚልዮን ክሩነር ክማቐላ ምዃነን ኣተን 16 ካብተን 21 ምምሕዳራት ሽወደን ድማ 56.4 ሚልዮን ክሮነር ክማቐላ እየን።
ኦሬብሮ፡ ብ10.3 ሚልዮን ክሩነር፡ እታ ዝለዓለ ብጽሒት ዝበጻሓ ምምሕዳር ከተማ ክትከውን እንከላ፡ ቬስትራ ዮትላንድ ድማ ብ21 ሚልዮን ክሩነር፡ ዝለዓለ ብጽሒት ዝረኸበት ምምሕዳር ኮይና ኣላ።
እቲ ዝወሃብ ሓገዝ፡ ብሓድሽ ኣገባብ፡ መደባት ንምሕንጻጽን ንምትግባርን ከምኡ ውን ንስራሕ ዘገልግሉ ናይ ኤሌክትሮኒካዊ ትምህርቲ ንምትእትታው ተባሂሉ ዘወሃብ እዩ ክትብል ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና፡ መርማሪት ዝኾነት፡ ፋቲማ ፈይሰል፡ ገሊጻ።