እቲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ምስ ወጣኒ እቲ ዕልዋ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፡ ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራሙ ናብ መዝነቱ ከም ዝተመልሰ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ርእሲ ከተማ ሱዳን፡ ኻርቱም፡ ቀትሪ ኣብ ዝነበረ ናዕቢ፡ ሓደ መንእሰይ ወዲ ተቐቲሉ።
ሓምዶክ፡ ነቲ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ወታሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ሱዳን ዝተገብረ ስምምዕ ኣመልኪቱ፡ ንምፍሳስ ደም ናይ ሱዳናውያን መንእሰያት፡ ደው ከብሎ እዩ ይብል።
ቅድሚ እዚ ኣብ ሞንጎ ዓብደልፋታሕ ኣል ቡርሃንን ዓብደላ ሓምዶክን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ናብቲ ፕረዚደንታዊ ቤተመንግስቲ ዝምርሹ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ ምርኣዮም ገሊጾም። እቶም ተቓወምቲ፡ ናይ ሱዳን ባንዴራን ኣብቲ ኣቐድም ኣቢሉ ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ዘቕንዑ ተቓውሞታት ናይ ዝተቐትሉ ስእልታት ሒዞም ምንባሮም’ውን እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንሮይተርስ ገሊጾም። ብተወሳኺ፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ናብቶም ተቓወምቲ ከምዝተኮሱ’ውን ተጸብጺቡ።
ነዚ ስዒቡ፡ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ሓደ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ብሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ዓዲ ከምዝተቐትለ ናይ ሕክምና ሰራሕተኛታት ሓቢሮም።
ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ እዩ ካብ ትሕቲ ቐይዲ ዝተፈትሐ።
እቲ ስምምዕ ንሱ ናብ ቦትኡ ክምለስን ሓደሽቲ ክኢላታት ድማ ክመዝዝን ዝጠልብ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ስምምዕ፡ ኣብቲ እዋን ዕልዋ ዝተኣስሩ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት’ውን ክፍትሑ ይጠልብ።
እቲ ኣብ ሱዳን ዝተገብረ ዕልዋ፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተኾነነን ከምኡ’ውን ዋላ እኳ ሓያል ጎነጻዊ ስጉምቲ ይብጻሓዮም፡ ብዝዓበየ ክፋል ናይቲ ህዝቢ ዳርጋ መዓልታዊ ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ስልጣን ተቓውሞታት ኣጋጢሙዎ እዩ። ኣብቶም ዝተኻየዱ ተቓውሞታት እንተዋሓደ 41 ዝኾኑ ተቓወምቲ ከምዝተቐተሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።