ዓርቢ ሰዓት 7:30 ድ.ቐ ከም ነፍሲ ወከፍ ካልእ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኦሎፍ ፓልመ፡ ካብ ስራሕ ናብቲ ኣብ Västerlånggatan 31 ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ተመለሰ። ድራሩ ድሕሪ ምብላዕን ውሑዳት ናይ ቴሌፎን ርክባት ድሕሪ ምክያዱን ድማ ምስ በዓልቲ ቤቱ ሊዛቤስ ፓልመ ተተሓሒዞም ካብ ገዛ ድሕሪ ምውጻእ ባቡር ተጠቂሞም ናብ ማእከል ከተማ ተጓዕዙ። ኣብ ከባቢ Rådmansgatan ወሪዶም ብጎደና Sveavägen ኣቢሎም ናብ ዓቢ ሲነማ ብእግሮም ተጓዕዙ። ኣብ ኣፍደገ ናይታ ሲነማ ሜርቲን ወዶም ምስ ሕጽይቱ ክጽበይዎም ጸንሑ። ሰዓት 9:15 ድ.ቐ ዝጅምር ዝነበረ Brothers Mozart ዝስሙ ፊልም ንምዕዛብ ድማ ተተሓሒዞም ናብ ሲነማ ኣተዉ። እታ ፊልም ድሕሪ ምርኣዮም ኦልፍ ምስ ሊዛቤስ ንወዶምን ሕጽይቱን ሰዓት 11:15 ድ.ቐ. ተፋንየሞም ንደቡብ ገጾም ኣምርሑ። በቲ ቤተ ክርስትያን ኣዶልፍ ፍሪድሪክ ዝርከቦ ጎደና ኣቢሎም ንጎደና Sveavägen ሒዞም ኣብ ከባቢ Tunnelgatan ምስ በጽሑ ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ ብድሕሪኦም መጺኡ ካብ 10 ሴ.ሜ. ክሳብ 30 ሴ.ሜ ኣብ ዝእክል ርሕቀት ምስ በጽሐ ብጥይት ቶኪሱ ንኦልፍ ኣብ ሕቖኡ ሃሪሙ ኣውደቆ። ካልኣይቲ ጥይት ቶኪሱ ንሊዛቤስ ኣብ ሕቖኣ ሃሪሙ ናብ Tunnelgatan ኣትዩ ተሰወረ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሎፍ ብኣምቡላንስ ንሆስፒታል እናኸደ እንከሎ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።
ን34 ዓመታት ዝኣክል ሓቀኛ ቀታሊ ኦሎፍ ከይተፈልጠ ጸኒሑ። ኣብ ውሽጢ’ዘን ዓመታት ኣስታት 90 ሽሕ ሰባት ምስ’ዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ተሳቲፎም። 788 ዝተፈላለያ ዓይነታት ብረት ውን ምስቲ ፍጻመ ምትእስሳር ከይህለወን ብምባል ተመርሚረን። ኣስታት 134 ሰባት ድማ ነፍሲ ወከፎም ቀታሊ ምዃኑ ሓቢሮም ነይሮም። ካብዚኣቶም እቶም 29 ሰባት ብቐጥታ ናብ ፖሊስ ብምምጻእ ነቲ ፍጻመ ቅትለት ከምዝወዓልዎ ሓቢሮም ነይሮም። እንተኾነ ብወገን ፖሊስ ምስ ተጻረየ፡ እቲ ዝበለዎ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ዓመተ 2017 መብዛሕትኦም ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ዝነበሩ ኣባላት ኮሚቴ ምጽራይ ጥሮታ ድሕሪ ምውጸኦም ብሓደሽቲ ኣባላት ክትክኡ ንቡር እዩ ኔሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ እዩ፡ ክሪስተር ፒተርሾን፡ ከም ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኮይኑ ተመዚዙ።
ድሕሪ 34 ዓመታት ቅትለት ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ነበር ኦሎፍ ፓልመ ድማ ሎሚ ንፈለማ ግዜ እቲ ሓቂ ተረኺቡ። ብመርበባት ሓበሬታ ብ “ስካንድያ ማን” ዝፍለጥ ዝነበረ ብቕትለት ኦልፍ ዝኽሰስ፡ ሎሚ እቲ ሓቀኛ መንነቱ ተፈሊጡ። ምሉእ ስሙ ድማ ስቲንግ ኣንግስትሮም ይበሃል። እቲ ገበነኛ ኣብ ዓመተ 2000 ኣብ መበል 69 ዓመት ዕድሚኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ስለዝተፈልየ ክሲ ክንቕርበሉ ኣይንኽእልን ኢና ክብል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ፒተርሾን ገሊጹ።
ኣንግስትሮም ኣብቲ ሽዑ እዋን ሓደ ካብቶም መሰኻኽር ናይቲ ፍጻመ ኮይኑ ቃሉ ዝሃበን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ተለቪዥን እናቀረበ ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ከመይ ከምዝነበረ ዝዝንቱ ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ማዕከናት ሓበሬታ ይጠቕሳ።