ተወላዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ማይ ኣትዮ ሕቶ መርዓ ን ኣፍቃሪቱ ከቅርበላ ብምባል ክሕብስ ኢሉ ናብ ማይ ዝኣተወ፣ ኣብኡ ከሎ ጥሑሉ ሂወቱ ሓሊፋ። ቡዝሓት ሰባት ን ኣፍቀርቶም ንምግራም ኢሎም ብተፈላለየ ዓይነት ሕቶ ንመርዓ ዘቅርቡ ኮይኖም እዚ ዘጋጠም ሓደ ካብኡ ኮይኑ ግን ሂወት ሰብ ዘኽፈለ ብሙኻኑ እዩ ፍሉይ ዝገብሮ። እዚ ስተቬን ዌበር ዝተባህለ ኣመሪካዊ ምስ ኣፍቃሪቱ ኬነታ ኣንቶኒ ን ዙረት ኢሉ ኣብ ዕረፍቱ ናብ ኣብ ሃገረ ታንዛንያ ትርከብ ዴስት ንምዝንጋዕ ኣምሪሑ።
ንተወሰነ ምዓልታት ድሕሪ ምዝንጎዖም ናብ ሓደ ገመገም ባሕሪ ብምምራሕ፣ ስተቬን ዌበር ናይ ቃልኪዳን ቀለበት ብምሓዝ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ተነቒቱ ን ኣፍቃርት ከምዚ ብምባል ” ንዓኪ ዘለኒ ፍቅሪ ብሙሉእ ዓቕመይ ክገልጸልኪ ዓቕሚ ይሓጽረኒ፣ ኩሉ ግዜ ብኣኺ ሑጉስ እይ፣ ኣዝየ የፍቅረኪ” እንዳበለ ተሽጊሩ ከሎ ትምርዓውኒ ዲኪ ብምባል ናይ መርዓ ሕቶ የቕርበላ። እንተኾነ ዌበር ነዚ ዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ከይሰምዔ ብኡ ገይሩ ብምጥሓል ሂወቱ ክትሓልፍ ዝኸኣለት። ነዚ ፍጻሜ ዝረኣየት ኣፍቃሪቱ ኬነታ ኣንቶኒ ብስንባደ ኣብ ሓዘን ትርከብ ክትብል ጋዜጣ ዋሽንግተን ጸብጺባ።
ምንጭ ፦ www.washingtonexaminer.com