ብሕማም ምኽንያት ካብ ስራሕ ንዘቋርጹ ሰባት፤ ዝሓሸ ቁጠባዊ ደገፍ ንኽረኽቡ ዘኽእል መንግስታዊ እማመ ኣብቲ ናይ ዓመተ 2022 ባጀት ከምዝቐረበ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ቁጠባዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ሕማቕ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፤ ኩነታት ዜጋታትና ግን ኣብ ዝሓሸ ንኽህሉ ተወሰኽቲ ስጉምታት ክትግበሩ ይግባእ ክትብል ሚኒስተር ጾታዊ ማዕርነትን ኣባይትን፤ ማርታ ስተኔቪ፤ ገሊጻ።
ተወሳኺ ናይ ሕማም ረብሓታት ንምኽፋል፤ 2 ቢልዮን ክሮነር፤ ዝሓትት ሓድሽ እማመ፤ ብሚኒስተር ጾታዊ ማዕርነት (ኣባል ሰልፊ ሞደራትና)፤ ሚኒስተር ማሕበራዊ ድሕነትን (ኣባል ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና) ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያትን (ኣባል ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና) ዝቐረበ እዩ።
ኣብዚ ሓድሽ እማመ፤ ነቶም ካብ 7 ክሳብ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዘዕብዩ ንጽል ወለዲ፤ ዝወሃብ ክፍሊት፤ ንምውሳኽ ዘኽእል ሓሳብ ውን ቀሪቡ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።