ኣብ መስርመር ኡፕሳላን ሳላን ዝሰርሓ ቁጽሪ 848 ዝኾና ናይ ለይቲ ኣውቶቡሳት፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊአን ዝወረደ ውራ እምኒ፡ ብተኸታታሊ ንሳልሳይ ለይቲ፡ ጉዕዘአን ኣቋሪጸን ከምዝጸናሓ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኖቢና ንጋዜጣ ኡፕሳላ ንያ ቲድኒን ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዘን ኣውቶቡሳት፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ፡ ለይታዊ ስርሐን ክጅምራ ምኻነን ዝገለጸ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ እቲ ጸገም እንተድኣ ቀጺሉ ግን ናይ ለይቲ ጉዕዞታት ክስረዙ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ኣገልግሎት መጋዓዝያ ኖቢና፡ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ምስ ፖሊስ’ቲ ከባብን ምምሕዳር’ቲ ከባብን ርክባት የካይድ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።