ኣመሪካዊ ዋና መደብር መዓስከር ኣፍሪኮም፡ ካብ ጀርመን ናብ ኣፍሪቃ ከተግዕዞ ጠለብ ናይጀርያ ምዃኑ ፕረሲደንት ናይጀርያ፡ መሓመድ ቡሃሪ፡ ገሊጹ።
ንሱ እዚ ዝበለ፡ ብሰሉስ፡ ዋና ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ናብ ኣፍሪቃ ናይ ኦንላይን ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ ኣጋጣሚ እዩ። እዚ ምብጻሕ ኦንላይን ክኸውን ዝተወሰነ፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ማእከላይ ኣፍሪቃ፥ ወሽመጥ ጊኒ፥ ቀላይ ጫድን ዞባ ሳሕልን ዘሎ ገዚፍ ጸጥታዊ ብድሆ ብምግንዛብ፡ ኣመሪካ ንመደብር ኣፍሪኮም፡ ካብ ጀርመን ናብቲ ስርሒታት ዝካየደሉ ዘሎ ኣህጒር ኣፍሪቃ ከተግዕዞ ይግባእ” ክብል እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቢሊንከን፡ ነቶም ኣብ ኣመሪካ ዝመሃሩ ዘለዉ መንእሰያት ኣፍሪቃውያን፡ ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ህላወ ቻይና ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ንሱ ” ካብ ቻይናን ኣመሪካን ንሓዲአን ምረጹ ኣይኮንናን ንብል ዘሎና፥ እንተኾነ ኣገደስቲ ሕቶታትን መርመራን ብምክያድ ንሃገርኩም ኣየናይ ውሳነ ከም ዘርብሕ ብጥንቃቐ ክትመርጹ ከተባብዓኩም ደስ ይብለኒ” ኢሉ።