ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ: ክልል ካዱና: ሓደ ቤተክርስትያን ብምቅጻሉ፡ ብውሕዱ ሸሞንተ ምእመናን ከም ዝሞቱ ሰብመዚ ናይጀርያ ገሊጾም።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣሰምብሊ ኦፍ ጎድ ዝተባህለ ቤተክርስትያንን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ህንጻታትን እውን ተቓጺሎም ኣለዉ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ፡ ኣብያተ መቕደስ ምቅጻል፡ እናተዘውተረ ዝመጽእ ዘሎ ተርእዩ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዕጡቓት ኣብ ካዱና ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን መጥቃዕቲ ብምክያድ ሓደ ሰብ ቀቲሎም ብርክት ዝበሉ ምእመናን ጨውዮም ኔሮም እዮም። ብዘይካ’ዚ ኣብ ክልል ካትሲና፡ ዕጡቓት ኣብ ሓደ መስጊድ መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ 45 ሰባት ተጨውዮም እኳ እንተነበሩ፡ ጸኒሖም ግን ናጻ ከምዝተለቁ ተገሊጹ።