ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ–ኣቡጃ– ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ሽውዓተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ። እታ ነፋሪት ካብ መሬት ብግስ ምስ በለት እያ ተሓምሺሻ ክብሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ።
ጠንቂ ምሕምሻሽ እዛ ዋንነታ ናይ ሓይሊ ኣየር ናይጀርያ ዝኾነት ነፋሪት ብልሽት ሞተር እዩ ክብል ኣፈኛ እቲ ትካል ኣብ ዝሰደዶ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሩ’ሎ።
እታ ነፋሪት ናብታ ኣብ ሰሜን ናይጀርያ እትርከብ ኒጀር ትበሃል ክልል ከተምርሕ ኣብ ምብጋስ እናሃለወት እዩ እቲ ምሕምሻሽ ኣጋጢሙ። ተልእኾ እታ ነፋሪት ኣብታ ክልል ዝተጨውዩ 42 ሰባት ንምድሓን እዩ ኔሩ ተባሂሉ’ሎ።
ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ንጠንቂ እዚ ሓደጋ ዝምልከት ህጹጽ መርመራ ክግበር ኣዚዙ’ሎ። ንሱ “ህዝቢ ብትዕግስቲን ህድኣትን ንውጽኢት መርመራ ክጽበ” ብተወሳኺ ለበዋኡ ኣቕሪቡ’ሎ።
በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኲሎም ተሳፈርቲ እታ ነፋሪት ምሟቶም ኣፈኛ እቲ ሓይሊ ኣየር ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ።