ኣብ ዞባ ኒጀር (ናይጀርያ) ዛጊት ቊጽሮም ዘይተፈልጠ ተመሃሮ ወጋሕታ ብ “ዕጡቓት ሸፋቱ” ከም እተወስዱ ተገሊጹ። እዞም ሸፋቱ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ነቲ ጭውያ ምፍጻሞም መራኸቢ ብዙሃንን ሰብመዚን እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ። ጸሓፊ መንግስቲ ናይጀርያ፡ ኢብራሂም ማንተ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዕጡቓት ሰባት ነቲ ኣብ ካጋራ ዝርከብ ኮሌጅ ሳየንስ ብምጥቃዕ ተመሃሮ ጨውዮም ኣለዉ። ካጋራ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣቡጃ ብሰሜን ምዕራብ 260 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ እያ። እቶም ዕጡቓት ወተሃደራዊ ክዳንን ማስክን ወድዮም ምንባሮምን ናብቲ ቤት ትምህርቲ ጠጒጎም ብምእታው ነቲ ጭውያ ከም ዝፈጸሙን ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ ገለ ተመሃሮ ግና ሽዑ ሃዲሞም ኣምሊጦም ኣለዉ ኢሉ። እዚ ናይ ሳየንስ ኮሌጅ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ተመሃሮ የአንግድ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ሰብመዚ ክንደይ ዝኣኽሉ ከም እተጨውዩ ኣብ ምጽራይ ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ።