ወዱ ን መዋቲ እድሪስ ደብዒ ስልጣን ምጭባጡ፡ ናይጀርያ፡ ከም እትቕበሎ ኣፍሊጣ። እዚ ኲነታት ኣብ ሃገረ ቻድ፡ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንክኽሰት ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።
ጀነራል ካባ ብዝብል ቅጽል ዝፍለጥ ወዲ 37 ዓመት፡ መሓመድ ደብዒ፡ ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝግበር ሓደ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቆንስል ብምውህሃድ ነታ ሃገር ክመርሓ ምዃኑ ምግላጹ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ናይጀርያ፡ ጆፍሪ ኣንያማ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኣብ ቻድ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ክፍጠር ብፍጹም ኣይንደልን ኢና፡ ምኽንያቱ ሰራዊት ቻድ ኣብ ምውጋእ ደባይ ግብረ ሽበራውያንን ምሕላው ሰላምን ጸጥታን እዚ ዞባ ዓብዪ ግደ እዩ ክጻወት ጸኒሑ” ኢሉ።
እቲ ካብ ብዙሓት ሃገራት እተዋጽአን ንቦኮ ሓራም ዝዋጋእ ዘሎ ሓይሊ ዕማም፡ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቻድ፡ እንጃሜና፡ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።