ሚኒስትሪ መራኽቢታት ናይጀርያ፡ ዒሳ ፓንታሚ፡ ምስ ቦኮ ሓራም፡ ርክባት ኣሎካ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ክሲታት ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ’ሎ።
ንሱ፡ ነተን ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ዝዘርግሓ ማዕከናት ዜና ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ። ብዛዕባ እከይ ሰረተ እምነት ቦኮ ሓራምን ካልኦት ሰባትን ቅድሚ 15 ዓመት ክምህር ዝጸናሕኩ ሰብ እየ። ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ ኣእትየ ብዛዕባ ሓደገኛነት ከምዚኦም ዓይነት እኲያት ጒጅለታት ክካታዕ ዝጸናሕኩ ዜጋ ከምዚ ክፍደ ኣይግባኣንን እዩ” ክብል ኣማሪሩ። ስመይ ዘጸለማ ኲለን ማዕከናት ዜና ብሕጊ ከረኻኽበለን እየ ድማ ኢሉ’ሎ።