ናዛኒን፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢራን ብእትገብሮ ፕሮፓጋንዳ፡ ገበነኛ ኮይና ስለእተረኽበት፡ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ክትእሰርን ናይ ጒዕዞ እገዳ ክግበረላን ተፈሪዳ ኣላ።
ናዛኒን ቅድሚ 12 ዓመት፡ ኣብ ላንደን እተገብረ ሰልፊ ተቓውሞ ንመንግስቲ ኢራን፡ ተሳቲፋ ኔራ ክብል ጠበቓኣ ንቢቢሲን ኣገልግሎት ዜና ፋርስን ገሊጹ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ናዛኒን፡ ክትፍታሕ ጻዕርታቱ ብድርብ ክቕጽለሉ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
እዛ ዜግነት ብሪጣንያ ዘለዋ ኢራናዊት ሰራሕተኛ ትካል ረድኤት፡ ኣብ 2016፡ ኣብ ቴህራን ተኣሲራ ምንባራ ይፍለጥ። ንሳ፡ ሰላይ መንግስቲ ብሪጣንያ ኢኺ ንዝብል ዝቐረበላ ክሲታት ብምልኡ ነጺጋቶ ኣላ።