ኢቡክ ብኣንበብቲ ኣዝዩ ተፈታዊ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉን ካብ ዝጭበጡ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ዋጋ የውጽኣሎም ምህላዉ ግና ተገሊጹ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት መጻሕፍቲ ሓንሳብ ጥራይ ዝግዝኡ ፥ እዞም ናይ ኢቡክ መጻሕፍቲ ግና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጠለብ ክኽፈለሎም ዝግባእ ብምዃኖም እዩ። ስለዚ ድማ ገለ መጻሕፍቲ ብዘለወን ፋይናንሳዊ ዓቕሚ መጠን ዝህባኦ ኣገልግሎት ይውሰን ምህላዉ እዩ ዝግልውጽ ዘሎ። ንኣብነት ቫርምላንድ ብሰንኪ እዚ ጒዳይ ገለ ኣንበብቲ ሕጒሳት ከም ዘይኮኑ ተመልኪቱ’ሎ።