ድሕሪ ራብዓይ ዘይ ደምዳማዊ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ቢንያሚን ናተንያሁ፡ ኣብ ዝሓለፋ 28 መዓልታት ሓደ ልፍንቲ ከቕውም እኳ ክጽዕር እንተጸንሐ፡ ናይ ግዜ ገደቡ ትማሊ ሰሉስ ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ፡ ከም ዘብቅዐ ተገሊጹ። በዚ ድማ ፕረሲደንት እስራኤል፡ ሩቨን ሪቭሊን፡ ካልእ ፖለቲካዊ ልፍንቲ ንኽፈጥር ወግዓዊ ጻውዒት ክገብር ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ግን፡ ነታ ሃገር፡ ደጊማ ናብ ምርጫ ክትከይድ ዝገብር እዩ። ዋላ’ኳ ብዙሓት ዝተጸበይዎ ውጽኢት እንተነበረ፡ ናይ ዝሓለፈ መጋቢት ዘይደምዳማዊ ምርጫ ነቲ ንዝነውሐ ግዜ ንእስራኤል ዝመርሐ ቢንያሚን ናተንያሁ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ወኪል ቢቢሲ ካብ የሩሳሌም፡ ዮላንዴ ክኔል፡ ሓቢሩ።
ካብዚ ንደሓር፡ ፕረዚደንት ሪቭሊን፡ ንኻልእ ኣባል ባይቶ ሓድሽ መንግስቲ ንኸቕውም ናይ 28 መዓልታት ናይ ግዜ ገደብ ክህቦ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ነዚ ክመርሕ ዝሕጸ ድማ መራሒ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ ብኻልኣይ ደረጃ ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኸበ ማእከላይ ሰልፊ የስ ኣቲድ ዝኾነ ያዒር ላፒድ እዩ ዝብል ትጽቢታት ኣሎ። ያዒር፡ ኣብ መንጐ እተን ንልፍንቲ ዝሓርየን ሰልፊታት ዘሎ ስነሓሳባዊ ፍልልያት ንምጽባብ ብዙሕ ብድሆ ከም ዝጽበዮ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ እንድሕር እዚ ሕጹይ፡ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ፈሺሉ፡ ባይቶ ሕጹይ ንኸቕርብ ክሓትት ከም ዝኽእል፥ እዚ እንድሕር ዘይተኻኢሉ ድማ እስራኤል ናብ ካልኣይ ሓፈሻዊ ምርጫ ክትኣቱ እያ ክብል ኣመልኪቱ።
ኣብ እስራኤል ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ብሰንኪ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝቐጸለ መስርሕ ክሲ ብልሽውና ናተንያሁ ዝነቐለ እዩ። ንሱ ነዚ ክሲ ብልሽውና፡ ኣይወዓልኩዎን ብምባል ይከራኸር ኣሎ። ተቐናቐንቱ ድማ ከምዚ ዝበለ ክሲ ቀሪብሉ እናሃለወ፡ኣብ ስልጣን ክጸንሕ የብሉን ብምባል ይከራኸሩ ኣለዉ።
ናተንያሁ፡ ካብ 1996 ኣትሒዙ፡ ንሓሙሽተ ተኸትታታሊ ግዜያት ንእስራኤል ብምምራሕ ንዝነውሐ ግዜ ኣብ ስልጣን እታ ሃገር ዝጸንሐ ሰብ ኮይኑ’ሎ። ኣብዛ ዳሕረወይቲ ኣብ ስልጣን ዝርከበላ ዘሎ ግዜ፡ ለበዳ ኮሮና ንምምካት ብዝብል ሰበብ ምስ ቀንዲ ተቐናቓኒ ሰልፊ፡ ልፍንቲ ምምስራቱ ዝዝከር እዩ። እታ መንግስቲ ኣብ ታሕሳስ ምፍራሳን በዚ ድማ ናይ ዝሓለፈ መጋቢት ዘይዛዛሚ ምርጫ ክግበር ምድራኹን ይፍለጥ።