ካፕሱላት በጻሕቲ ጠፈር: ኣብ ገምገም ፍሎሪዳ ብህድኣትን ብውሑስን ኣገባብ ምዕላበን ተገሊጹ። በዚ ድማ እቲ ኣብ Space X እተኻየደ ናይ ጠፈር ቱሪዝም ብዕዉት ከም እተዛዘመ ተመልኪቱ።
“ኣሸጋሪ ጒዕዞ እዩ ኔሩ” ክብል ቢልዮኔር ያረድ ኢሳቕማን ድሕሪ ምዕላብ እተን ካፕሱል ተዛሪቡ።
ኣብ ከባቢ ሰዓት 1:00 ድ.ቀ. ኣርባዕተ ጃንጥላታትን ንእሽቶ ካፕሱልን ናብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ምዕላበንን እዚ ታሪኻዊ ምዃኑ እተነግረሉ ምብጻሕ ጠፈር ብዓወት ከም እተዛዘመን ድማ ወሲኹ ገሊጹ። ብዘይ ምኩር ጠፈርተኛ እተኻየደ ደፋር ጉዕዞ እዩ ኔሩ።
እዛ መርከብ ጠፈር: ካብቲ ሃብል ተሌስኮፕን ኣህጒራዊ መደበር ጠፈረ ዘለዉዎም ቦታ ርሒቓ ከም እተጓዕዘትን ድሕሪ ምዕላብ ወርሒ ንዝረሓቐ ብራኸ እተጓዕዘት ተባሂላ ክብረ ወሰን ክትሕዝ ምኽኣላን ወሲኾም ኣብሪሆም።
ጃረድ ኢሳክማን: ነዚ ጒዕዞ ምእዛዙ ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ ጒዕዞ ክንደይ ገንዘብ ከም ዝኸፈለሉ ብሚስጥር እዩ ተታሒዙ ዘሎ። እንተኾነ ግና ንምፍዋስ ካንሰር ክውዕል ተባሂሉ ኣብ ዝግበር ዘሎ ናይ 200 ሚልዮን ዶላር ምወላ ሳየንሳዊ መጽናዕቲ እዚ ጒዕዞ ሓደ መርኣያ ምወላ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምታት ተነቢርሉ’ሎ።