ኣብ 1970ታት፡ ስቴላ ኛንዚ፡ ህጻን እናሃለወት ንሳን ወለዳን ካብ ኢዲ ኣሚን ኣምሊጦም ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ መዕቆብ ስደተኛታት ኬንያ ጸኒሖም እዮም። ሕጂ ዓባይ ሰበይቲ ኮይና’ውን ካብ ተመሳሳሊ ዕጫ ኣየምለጠትን። ናብ ኬንያ ክትስደድ ተገዲዳ ኣላ። ምስ መንእሰያት ደቀይ ሕጂ ውን ካብ ካልእ ውልቀ መላኺ፡ ዮወሪ ሙሰቨኒ፡ ሃዲመ ናብ ኬንያ ዕቚባ ክሓትት መጺአ ኣለኹ ትብል። ኛንዚ፡ ተቓዋሚት፡ ጸሓፊትን ተመራማሪትን ኮይና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ሙሰቨኒ ብሻድሻይ ግዜ ምዕዋቱ ድሕሪ ምግላጹ እያ ንስደት ክትከይድ ዝወሰነት። ተቓወምቲ ኡጋንዳ ነቲ ውጽኢት ምጭብርባር እዩ ብምባል ኣይተቐበልዎን። ኛንዚ ኣብዚ ውድድር፡ ንኣባልነት ባይቶነት ተወዳዲራ ኔራ እያ፡ ግን ኣይተዓወተትን። ድሕሪ ምርጫ፡ መጻምዳ ዴቪድ ሙርሲ፡ ብ 20 ጥሪ ተጨውዩ ብሓይልታት መንግስቲ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ድማ ትገልጽ። ንሳ “ኣብ ከባቢ ፍረ ነብሱን ዝተረፈ ኣካላቱን ብርቱዕ ማህረምቲ ስለ ዘውረዱሉ ካኣ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣውጽእዎ ሃላዋቱ ኣጥፊኡ ወዲቑ እዩ ተረኺቡ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ። ድምጺ ኣመሪካ ብዛዕባዚ ጉዳይ ንምጽራይ ንሰብ መዚ ኡጋንዳ እኳ ጻውዒት እንተገብረት መልሲ ኣይረኸቡን ክትብል ገሊጻ’ላ። ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዞባዊ ተመራማሪ፡ ሮናልድ ኢቦለ፡ ን ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሙርሲ ሓደ ካብቶም ብሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ ተዓፊኖም ዝተወስዱን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሖምን ሓደ ካብ ኣባላት ተቓውሞ እዩ ብምባል ገሊጹ’ሎ። ስቴላ ኛንዚ ን ስርዓት ሙሰቨኒ ብዘለዋ ተቓውሞ ብተደጋጋሚ ክትእሰር ምጽንሓ ጸብጻባት የመልክቱ።