ናብተን ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ቀይሕ ዝርዝር ዘእተወተን ሃገራት ዝገሹ ዜጋታታ፡ ናይ ሰለስተ ዓመታት እገዳ መገሻን ካልእ ክብድ ዝበሉ መቕጻዕታት ክብየነሎም ከምዝኽእል መንግስቲ ሱዑዲ ዓረብ፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያታ ኣቢላ መግለጺ ምውጻኣ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሃገረ ስዑዲ ዓረብ፡ ናብ ብራዚል፡ ግብጺ፡ ህንዲ፡ ኢንዶነዥያ፡ ሊባኖስ፡ ፓኪስታንን ኢማራት ዓረብን ዝርከበአን ዝተፈላለያ ሃገራት ምጋሽ ይኹን ብኣተን ምሕላፍ (ትራንዚት)፡ ከልኪላ ምንባራ ይዝከር። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣገዳሲ መገሻ ጥራይ እንተድኣ ሃልይዎም፡ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፍቓድ ድሕሪ ምምጻእ ክገሹ ከምዝኽእሉ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር። ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ግን፡ ክሎም ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ዜጋታታ፡ ናብተን ኣብ ቀይሕ ዝርዝር ዘየለዋ ሃገራት ክገሹ ከምዝኽእሉ ገሊጻ።
ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ፡ ከምልምዲ፡ ናብታ ኣብ ቀይሕ ዝርዝር እትርከብ ሃገረ ኢማራት ዓረብ፡ ብፍላይ ድማ ናብ ዱባይ፡ ንኽዛወሩ ከምዝኸዱ ይፍለጥ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከም ዝተለኽፉን ከባቢ 8 ሽሕ ብሕማም ኮቪድ ዝተታሕዙ ሰባት ከምዝሞትዋን ይንገር።