ፕረዚደንት ኒካራጓ፡ ዳንኤል ኦርቴጋ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ትርር ዝበለ መርገጺ ሒዙ ምህላዉን መበል ሻብዓይ ሕጹይ ፕረዚደንትነት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉን ተገሊጹ።
ኣባላ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ኖኤል ቪዶረ፡ “ናጽነት ኒካራጓ ኣቃሊልካ” ብዝብል ክሲ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ተጌሩ ዘሎ። ኒካራጓ፡ በዚ ተግባራ፡ ገዚፍ ኣህጒራዊ ነቐፌታ ይወርዳ ምህላዉን፡ ኣመሪካ እውን ሓድሽ እገዳ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገርን ፕረዚደንትን ምጽዓና ተፈሊጡ።