ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሓድሽ መድረኽ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ “እዚ ኲናት ብኸመይን መኣስን ከም ዝውዳእ ምትንባይ ኣሸጋሪ እዩ” ክብል ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኒስትሮ ኣተሓሳሲቡ።
ሩስያ ኣብዚ ሰሙን ንርሑቕ ዝውንጨፉን ከበድቲን ሚሳይላት ክትጥቀም ምጅማራን፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያንን ትሐተ ቅርጺን ዩክሬይን ከኣ ዝኸበደ ዕንወት ይወርድ ምህላዉ ኒኒስትሮ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጥራይ፡ 80 ሚሳይላትን 20 ነፍሰቕለት ዝፍጽማ ድሮናትን ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዩክሬይን ምዝናባ፡ እንተኾነ ግና ልዕሊ ፍርቂ ካብዞም ሚስይላት ብ ሰራዊት ዩክሬይን ኣብ ሰማይ እናሃለዉ ክብርዕኑ ምግባሮም ሰብመዚ ዩክሬይን ሓቢሮም ኣለው። እዚ እናኾነ ጀርመንን ሕ/መ/ኣመሪካን ነዚ እናጸዓቐ ዝኸደ ደብዳብ ሚሳይላት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣመልኪተን፡ ንዩክሬይን ዝያዳ ኣጽዋር ጸረ-ነፈርቲ ክወሃባ ዘቕረብዎ ሓሳባት ከም ዝድግፍ ኒኒስትሮ ገሊጹ’ሎ።
“እዚ ኲናት መኣስ እዩ ክውዳእ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንምትንባዩ ኣሸጋሪ እኳ እንተኾነ፡ ከም ኲሎም ኲናታት እዚ’ውን መዓልቲ በሊዑ ክውዳእ እዩ፡ ሓይሊ ወሳኒ ረቛሒ ኣብ ዝኾነሉ ኲነታት እውን ዲፕሎማሲ ኲናት ኣብ ምውዳእ ዓብዪ ተራ ተጻዊቶም እዮም” ክብል ኒኒስሮ ገሊጹ’ሎ ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ሀልሲንኪ ታይምስ።