ኣብ ሽወደን ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት 1,500 ሽወደናውያን ነፍሰ-ቕትለት ከም ዝፍጽሙ፥ ካብዚኣቶም ከኣ እቶም 70% ደቂ-
ተባዕትዮ ምዃኖም “ተራድኦ ን ምጥፋእ ነፍሰ-ቕትለት” ዝተባህለ ትካል ጸብጺቡ። እዚ ትካል ኣብ ሽወደን ዝኽሰት ነፍሰ-
ቕትለት ንምጒዳል ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ህሉው ቊጠባዊ ኲነታት ነዚ ኣብ ደቂተባዕትዮ ብብዝሒ ዝረአ ነፍሰ-ቕትለት ከጋድዶ ይኽእል
እዩ ዝብል ሻቕላ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።
“ኣብ ሽወደን ዓመታዊ ኣስታት 1500 ሰባት ነፍሰ-ቕትለት ይፍጽሙ ኣለዉ። እዚ ዓብዪ ማሕረሰባዊ ሽግር ምስ ምዃኑ፡
ኣጸቢቕና ክንግደሰሉ ዘሎና ጒዳይ እዩ። ብውሕዱ መጠን ነፍሰ-ቕትለት ከም ዝጎድል ንምግባር ክንሰርሕ ከድልየና እዩ” ክብል
ክብል ዋና ጸሓፊ እቲ ትካል ተራድኦ ሪቻርድ ብራከን ገሊጹ’ሎ። ብነፍሰ-ቕትለት ዝኽሰት ሞት፥ ጠንቂ ዝበዝሐ ሞት ዕድሜኦም
ካብ 15-44 ዝኾኑ ደቂተባዕትዮ ሽወደን ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ። እዚ መጠን ምስ ዕድመ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ
ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰማንያታት ዝዕድሜኦምን ኣብ ገጠር ዝቕመጡን ሰብኡት ንነፍሰ-ቕትለት ዝተቓልዑ
ምዃኖም ወሲኻ ሓቢራ።
ሰብኡት ካብ ደቀንስትዮ ንላዕሊ ነዚ ተርእዮ ዝቃልዑሉ ዘለዉ ምኽንያት፥ ብዕዳ፥ ቊጠባ፥ ፍትሕን ካልእን ዝያዳ ጸቕጢ ስለ
ዝስምዖም ምዃኑ ብራከን ይሕብር። "ቊጠባና ምዝሕታል ኣጋጢምዎ ብምህላዉ፥ ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ናይ
ምዃን ስግኣታት ኣለዎም። እዚ ንመጠን ነፍሰ-ቕትለት ከዛይዶ ይኽእል እዩ"–ክብል ክራከን ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ።